ጴጥሮስ እብሃል፣ካብ ኤርትራ ድማየ መጺኤ። ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተገብረ “ኢንተግራኩንስ ሰግሊንግ “ (Integrationssegling) ዝተሰምየ መደብ ድማ ተሳታፊ ነይረ። እዚ መደብ እዚ ኣብ 2015 ዝጀመረ ኮይኑ፣ፅላማኡ ድማ ነቶም ናብ
ስዊድን ዝመጹ ሓደስቲ መጻእተኛታት ናብ ሕብረተሰብ ስዊድን ንክጽምበሩ ምቹእ ባይታ ንምፍጣር እዩ። እቲ መደብ ናብ ደሰታት እስቶክሆልም ብጀላቡ ኡደት ብምግባር እዩ ዝፍጸም። ኣብዛ ሕጂ ዝተገበረት ኡደት 7 (ካብ ሩስያ፣ክሮኤስያ፣ቬትናም፣ሶርያንን ኤርትራን ዝመጹ)ወጻእተኛታትን 15 ስዊድናውያንን 7 ጃላቡን ተሳቲፎም።ቀዳም ቀትሪ ካብ ቫክስሆልም(Vaxholm) ተበጊስና።ኣነ ዝነበርክዋ ጃልባ ብስድራቤት ማርቲን እትምራሕ እያ ዝነበረት።ድሕሪ ናይ ኣስታት 3 ሰኣታት ጉእዞ ድማ ናብ ግሪንዳ እትበሃል ደሴት በጻሕና። ጀላቡና ድማ ኣብኣ ኣሰግናየን።ግሪል ጌርና ከኣ ተመገብና። ብድሕርዚ ነታ ደሴት ዞርናያ።ምድሪ ምስ መሰየ ከኣ ሓዊ ኣጉድና ተዘናጋእናን መዛሙር ዘመርናን። ብድሕርዚ ኣኣብ ዝመጻእናለን ጀላቡ ሓደርና።ንግሆ ምስ ኮነ፣ተሓጻጺብና ቁርሲ ድሕሪ ምብላእና፣ገሌና ሓምበስና፣ገሌና ድማ ብነኣስቱ ጀላቡ ጌርና ምጅላብ ተላመድና። ኣብ መወዳእታ ድማ ንሓድሕድና ድሕሪ ምስንባትና ኣንፈትና ናብ እስቶክሆልም ገበርና።ኣብዛ መደብ እዚኣ ብምስታፈይ፣ምስ ስወደኛውያንን ባህሎምን ባህሪያቶምን ክላለ:ብዛእባ ሕብረተሰብ ስወደኝን ብዛእባ ምጅላብን ገለ ክፈልጥ እድል ረኪበ። ናይ ቓንቓ ስወደኝ ፍልጠተይ ንከማእብል ውን ደገ ተከፊቱለይ። ምስ ብዙሓት ሰባት ውን ተላልየ።እምበኣርከስ እዚ ነኣይ ግሩም ዝኮነ ተመኩሮ እዩ ዝነበረ። ነቲ ነዚ መደብ ዘበገሰን ዝመርሐን ስምኦን ቪንኮርን ንስድራቤት ማርቲንን ንኩላቶም ካልኦት ተሳተፍትን ድማ የመስግን።